Skip to content
Eritrean Embassy Logo Eritrean Embassy Logo
  • Home
  • About Eritrea
    • Our History
      Eritrea is a young nation yet it’s rich and glorious history stretches as far back as 6000 BC filled with a wealth of fascinating past .
      Our History
    • Our Culture
      Colorful, cheerful and hospitable, a mixture of faiths and cultures the people of Eritrea find harmony and unity in diversity.
      Our Culture
    • Tourism
      Historic Archaeology, Monasteries, Modern Art Deco, Bird Sighting, Coral Reefs, Seren Beaches, etc make Eritrea ideal tourist destinationre.
      Tourism
    • National Dates
      Everyday and every corner of Eritrea has it’s own historic significance.  These dates are meant to signify what defines Eritrea.
      National Dates
  • Embassy
    • Embassy Staff
      Head of Mission and Department Heads  
      Embassy Staff
    • Hours of Operation
      Embassy and Consular Services Daily Operating Hours  
      Hours Of Operation
    • Job Openings
      Job Postings and Career Opportunities with the Embassy
      Job Opening
  • Consular
    • National ID
    • Passport
    • Recovery & Rehabilitation Tax
    • Power of Attorney
    • Gudayu Z’mlketo
    • Repatriation
    • Human Remains Shipment
    • Affidavit of Marital Status
  • Investment
  • Visa
  • Contact Us
  • Media / COVID-19

እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ለበዳ ኮረናቫይረስ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ደቡብ – (ፎርቶ/ሰንዓፈ 4፡ እንዳገርግስ 1) ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ (ቃሩራ 4፡ ማይህመት 2፡ ናቕፋ 1) ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ሎሚ 30 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ብጠቕላላ 12 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ’ሎ።
እቶም 5 ኣብ ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ ካብ ኢትዮጵያ፡ እቶም 7 ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ ድማ ካብ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ዝኣተዉ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ብዝተገብረሎም መርመራታት ካብ’ቲ ቫይረስ ከምዝሓወዩ ስለዝተረጋገጸ፡ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 203 በጺሑ’ሎ። 56 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 147 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
30 ሰነ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ ማእከል፡ ንቡር ናይ ውሸባ ግዜኦም ንዝዛዘሙ ዜጋታት ሎሚ 20 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ሰብ ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፈ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ዜጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ጅቡቲ ዝተመልሰ’ዩ።

ከም’ቲ ክግለጽ ዝቐነየ፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ዋሕዚ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ዝምለሱ ዜጋታት ቀጻሊ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 143 በጺሑ’ሎ። 39 ካብዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 104 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
20 ሰነ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ከባቢታት ኦምሓጀርን ዓሊ-ግድርን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት፡ ንቡር ናይ ውሸባ ግዜኦም ንዝዛዘሙ ዜጋታት ሎሚ 17 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 10 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዞም 10 ዜጋታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን ብፍኑው ዝኣተዉ’ዮም።

ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ብደረጃ ዞባና ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ዛጊት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብድምር 7,764 ዜጋታት ናብ ኤርትራ ከምእተመልሱ፡ ካብዚኦም 4,359 በቲ ንቡር መስርሕ ውሸባ ሓሊፎም ካብ ለበዳ ነጻ ምዃኖም ብመርመራ ምስ ተረጋገጸ ነናብ ቤቶም ክፋነዉ ከለዉ፡ 3,405 ከኣ ጌና ኣብ 47 መወሸቢ ማእከላት ተዓቚቦም ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 131 በጺሑ’ሎ። 39 ካብዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 92 ድማ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
17 ሰነ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ – ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል፡ ንቡር ናይ ውሸባ ግዜኦም ንዝዛዘሙ ዜጋታት ትማሊ 13 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 24 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ።

ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ብፍኑው ካብ ሱዳን ናይ ዝተመልሱን ኣብ ኣዲባራ ዝተወሸቡን ዜጋታት ቁጽሪ 1370 ኮይኑ፡ እቶም 117 ግቡእ መስርሕ ውሸባ ሓሊፎም ክፋነዉ ከሎዉ፡ እቶም 1253 ጌና ኣብ’ቲ ማእከል ኣድላዪ ምክትታል ክግበረሎም ጸኒሑ’ሎ።

ብሓፈሻ፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ 7158 ዜጋታት ብፍኑው ብመሬትን ባሕርን ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ከምኡ’ውን የመን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። 3,135 ካብዚ’ኣቶም ጌና ኣብ 47 መወሸቢ ቦታታት ይርከቡ።

ከም ንቡር፡ ብዘይካ’ቲ ብገምራዊ ቅምሶ ዝካየድ መርመራታት፡ ኩሎም ዝተወሸቡ ሰባት፡ እቲ ልሙድ ናይ ምውሻብ ግዜ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ መርመራታት ይግበረሎም’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ዛጊት 65 በጺሑ’ሎ። 39 ካብዚኦም ብዝተግበረሎም ሕክምናዊ ክንክን፡ ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 26 ድማ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
13 ሰነ 2020

ሓበሬታ ካብ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

ከምዝዝከር፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይራስ፡ ኣብ ናይ 16 ግንቦት መግለጺኡ፡ ኩነታት ዝርግሔ ኮሮና ቫይራስ ኣብ መላእ ሃገር ብዘተኣማምን መንገዲ ንምፍላጥን ክሰላሰል ዝግብኦ ደቂቕን ሰፊሕን ገምጋም ብምትግባር ምሉእ ስእሊ ንምርካብን፡ ብገምራውን ወካልን ቅምሶ፡ ሰፊሕ መርመራታት ክካየድ ከምእተወሰነ ሓቢሩ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ከም ቀዳማይ መድርኽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ፡ ብኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕናን ክካየድ ዝቐነየ ንኮቪድ-19 ዝምልከት መርመራታትን መጽናዕትን ትማሊ 2 ሰነ ተዛዚሙ ኣሎ።

እዚ ዕድመ፡ ጾታ፡ ብዝሒ ተቐመጥትን ካልእ ረቛሒታትን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተወደበ ደረጃኡ ዝሓለወ ገምራዊ ቅምሶን መጽናዕትን፡ ካብ ኣፍን ሶርኖን ብዝውሰድ መርኣያታት ዝምስራሕ ኮይኑ፡ 4659 ስድራቤታት ብሓደ ወኪል ዝተሳተፍዎ እዩ።

ውጽኢት ናይዚ ጽጹይ መርመራታትን መጽናዕትን ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

4658 ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ናጻ ካብ ኮቪድ-19 ኮይኖም ክርከቡ ከለዉ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ግን ተሰካሚት ናይቲ ቫይራስ ምዃና ተረጋጊጹ። ከም ንቡር ኣሰራርሓ፡ ምስዛ እተለኸፈት ሰብ ብቕጥታን ተዘዋዋሪን ርክብ ዝጸንሖም ኩሎም እንተላይ በዓል ቤታ ዝርከቦም 13 ሰባት ድሕሪ ምውሻቦም፡ በዓል ቤታ’ውን በቲ ሕማም ከምእተለኽፈ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ውጽኢት ናይዚ ዛጊት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ቅኑዕነትን እዋናውነትን ናይቶም ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ኤርትራ እተወስዱ ሰፋሕቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት ዝእምትን ዘረጋግጽን እዩ። እንተኾነ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ምምካት ቃልሲ፡ ገና ኣብ ፈላሚ መድረኽ ምህላው ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፥

  • ዛጊት ተሰላሲሉ ዘሎ መርመራታት፡ ሰፊሕ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣስመራ ጥራይ እትሓጽረ ኡዩ። እዚ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርካባ ከተማታትን ካልኦትን፡ ኣብ እተናውሔ እዋን ድማ ብዝሰፍሔ ዝርጋሔ፡ ክቕጽል እዩ።
  • ተርእዮ ኮሮና ቫይራስ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ናይ ኣየር መጓዓዝያ ከምዝቋረጽ እኳ እንተተገብረ፡ ብባሕሪን መሬትን ዝጸንሐ ዋሕዚ ምንቅስቓስ ስለዘየቋረጸ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር 81 መወሸቢታት ተመስሪቱ ክሳብ ትማሊ ብድምር 5270 ሰባት ክውሸቡ ከለዉ፡ ካብኦም 3477 ተፋንዮም፡ 1793 ሰባት ገና ኣብ መወሸቢ ነቚጣታት ይርከቡ። እዚ ዋሕዚ’ዚ፡ ምስ ኩሉ ምቁጽጽር፡ ቀጻሊ ከምዝኸውን ርዱእ’ዩ።
  • ብደረጃ ዓለም መጠን መልከፍቲ ኮሮና ቫይራስ ብልዑል ፍጥነት እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ናይ ከባቢና ሃገራት እውን እቲ ቁጽሪ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ሕጂ እውን እቲ ኩነታት ምዝናይ ዘየድልዮ፡ ዕቱብ ጥንቃቐን ትኩርነትን ዝሓትት እዩ። ክሳብ’ቲ ዝድለ ገምጋምን ሜማን ዝግበር ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጺኒዕም ዝጸንሑ መምርሒታት ብደፋእታ እንፈኾሱ ከምዝኸዱ ኪግበር’ዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም፡ ህዝቢ ክሳብ ሕጂ ዘርኣዮ ልዑል ምትሕብባር ንመጻኢ መኸተ’ውን ብዕቱብ ክቕጽሎ፥ ሓሓሊፉም ዝርአዩ ጥሕሰታት፡ ብፍላይ ኣብ ዕዳጋታትን ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን – ማለት፡ ሓዘን፡ ቀብሪ፡ መርዓ፡ ኣብያተ እምነት – ንምእራም ግደኡ ክፍጽምን እናተማሕጸነ፡ ንኩሎም ነዜ ከቢድ ዕማም ንምዕዋት ብሙሉእ ተወፋይነት ዝሰርሑ ዘሎዉ ኣካላት፥ ነዚ ለበዳ’ዚ ንምምካት ዝግበር ዘሎ ገንዘባውን ዓይነታውን ወፈያታትን፡ ንእተጸገሙ ዝግበር ዘሎ ሓገዝን፡ ምስጋንኡ ይገልጽ።

ዓወት ንሓፋሽ!

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም

ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ
3 ሰነ 2020

ኣብ መላእ ሃገር ወካልን ቅምስኣውን መርመራታት ክካየድ እዩ

ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተኣማምን መንገዲ ንምፍላጥን ምሉእ ስእሊ ንምርካብን መንግስቲ- ሓሓሊፉ ብገምራውን ወካልን ቅምሶ ሰፊሕ መርመራታት ከካይድ ወሲኑ ኣሎ። ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ መርመራ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቀዳማይ መድረኽ ናይ’ቲ መርመራታት፡ ጽባሕ ሰንበት 17 ግንቦት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ብድሕር’ዚ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ከምኡ’ውን ኣብ ቅድመ ግንባር መኸተ ኮሮና ቫይረስ ንእተሰለፉ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ዜጋታትን ከም ዝካየድ ዘነጸረ’ቲ ሓበሬታ፡ ዝቕጽሉ መርመራታት፡ ብውጽኢት ናይ ቀዳማይ መድረኽን ብኻልኦት ኣገደስቲ ዓለማውን ከባቢያውን ክስተታት ከም ዝድረኹ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣብ መደምደምታ፡ እዚ መርመራታት እዚ ተኻዪዱ ውጽኢቱ ክሳብ ዝፍለጥን ምሉእ ስእሊ ክሳብ ዝህብን ህዝቢ ከርእዮ ንዝጸንሐ ልዑል ምትሕብባር ብዕቱብ ክቕጽሎን ሓሓሊፉ ንዝርአ ጥሕሰታት ንምእራም ግደኡ ኪፍጽምን ኣዘኻኺሩ።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም
ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ
16 ግንቦት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረላ መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ኰይና ስለዝተረኽበት፡ ሎሚ 15 ግንቦት ናብ ቤታ ተፋንያ’ላ።
በዚ ድማ፡ ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 38፡ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ትሕቲ ናብዮት ሕክምና ዝጸንሑ 39 ዜጋታት፡ ብምልኦም ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን እተጠቕሰ፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ዘተባብዕ’ኳ እንተዀነ፡ ከዛንየና ግን ኣይግባእን። ሕጂ’ውን፡ ዝርግሐ ናይ’ቲ ለበዳ ኣብ መላእ ሃገር ብምልኣት ንምፍላጥ ዝካየዱ መርመራታት ክሳብ ዝዛዘሙ፡ ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሒታት ብምልኣት ክትግበሩ ወሳንን ኣገዳስን’ዩ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
15 ግንቦት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረላ መርመራ፡ ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ኰይና ስለዝተረኽበት፡ ሎሚ 11 ግንቦት ናብ ቤታ ተፋንያ ኣላ።
ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 37፡ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ ዜጋታት፡ ብጠቕላላ 38 በጺሖም ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዜጋታት ቊጽሪ፡ 39 እዩ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 ግንቦት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሸውዓተ ካብ’ቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ኰይኖም ስለዝተረኽቡ፡ 8 ግንቦት ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 30፡ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ ዜጋታት፡ ብጠቕላላ 37 በጺሖም ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዜጋታት ቊጽሪ፡ 39 እዩ።
እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት፡ እወታዊ ጐድንታቱ ርዱእ’ኳ እንተዀነ፡ ከዛንየናን ግጉይ ስእሊ ክህበናን ግን ኣይግባእን።
ርግጽ’ዩ፡ ኩሎም’ቶም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብኣየር፡ ምድሪን ባሕሪን ናብ ሃገር ዝተመልሱ ዜጋታትን መቕርቦምን – ብጠቕላላ ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት – ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገር ስለዝተወሸቡን ምልክታት መልከፍቲ ኮሮና ንዘርኣዩ ድማ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ስለዝተገብረሎምን፡ እዚ ንዕዘቦ ዘሎና ኣፈናዊ እወታዊ ውጽኢት ተረኺቡ’ሎ።
እንተዀነ፡ ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መላእ ሃገር ብዘተኣማምን መንገዲ ንምፍላጥ፡ ክሰላሰል ዝግብኦ ደቂቕን ሰፊሕን ገምጋም ንምትግባር፡ ዘድሊ ምቅርራባት ተዋዲዱ፡ ጌና ኣብ ምብግጋስ’ዩ ዘሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለምን ከባቢናን ጌና የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ፡ እዚ ዕማም’ዚ ክሳብ ዝፍጸም፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ትግባረ ንዘሎ ናይ ምክልኻል መምርሒታት መንግስቲ፡ ብምሉእን ብዕቱብን ክፍጽምን ብእኡ ክቕየድን ነተሓሳስብ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
9 ግንቦት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣርባዕተ ካብ’ቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ኰይኖም ስለዝተረኽቡ፡ ሎሚ 5 ግንቦት ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 26፡ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ ዜጋታት፡ ብጠቕላላ 30 በጺሖም ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዜጋታት ቊጽሪ 39 እዩ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
5 ግንቦት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሸውዓተ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም፡ ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ፡ ሎሚ ሚያዝያ 30 ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ 19 ሰባት ምፍናዎም ይዝከር። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ 39 ዜጋታት እቶም 26 ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
30 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሽዱሽተ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ 28 ሚያዝያ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 13 ሰባት ምፍናዎም ይዝከር። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተኽፉ 39 ዜጋታት እቶም 19 ተፋንዮም ኣለዉ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
28 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ክልተ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ 25 ሚያዝያ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 11 ሰባት ምፍናዎም ይዝከር። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተኽፉ 39 ዜጋታት እቶም 13 ተፋንዮም ኣለዉ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
25 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ሎሚ 23 ሚያዝያ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። ምስቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ ሽዱሽተ ምፍናዎም ይዝከር። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተኽፉ 39 ዜጋታት እቶም 11 ተፋንዮም ኣለዉ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
23 ሚያዝያ 2020

መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

መንግስቲ ኤርትራ፥ ኣብ ርእሲ’ቲ በብእዋኑ ዘውጽኦም መምርሒታት፡ ካብ ክልተ ሚያዝያ ኣትሒዙ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ናይ “ነፍስ-ወክፍ ሰብ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል” መምርሒ ብሓደ ሚያዝያ ብምእዋጅ ንግብራውነቱ ጥቡቕ ምክትታል ክገብር ምጽንሑ ዝዝከርዩ።  እዞም መምሪሒታት’ዚኦም ብድምር፡ ቀለበት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምብታኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ፈለማ ዝተኸተሎ ስትራተጂ ምክልኻል ንምድራዕን፡ ብምሉእ ኣድማዕነት ንምትግባርን፡ ዝሓለኑ እዮም።

ነዚ ለበዳ’ዚ ንምቁጽጻር፡ ኩለን ዝምልከተን ኣካላት፡ ብውህደትን ልዑል ተወፋይነትን ኣብ ዕቱብ ስራሕ ተጸሚደን ይርከባ።

ክሳብ ሕጂ፡ ካብ መገሻ ወጻኢ ሃገር ብኣየር፡ ብባሕርን መረታዊ ዶባትን ዝተመልሱ ዜጋታትን፡ ምስኦም ቀረባ ምትእስሳር ዝነበሮም ስድራቤታትን፡ ብጠቕላላ ንልዕሊ 1660 ሰባት ኣብ ኩሉ ዞባታት ሃገርና ን21 መዓልታት ብምውሻብ፡ ንእተጠርጠሩ ሕክምናዊ መርመራታት ብምክያድን፡ ከምኡ’ውን፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረ፡ ሓደጋ ለብዒ ንምቁጽጻርን ንምቑራጽን ሓያል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ምስ’ዚ ኹሉ ግን፡ ብኮሮና ቫይረስ ናይ እተለኽፉ ዜጋታት ቁጽሪ ናብ 39 ደይቡ ኣሎ።

መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒታት ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ጥዕናን ክኢላታትን ዝህብዎ ምኽርን ኣስተምህሮን ኣብ ምትግባር ክሳብ ሕጂ ዜጋታት ዘርኣይዎ ተገዳስነትን ዕቱብነትን (ሒደት ጥሕሰታት ገዲፍካ) ብሓፈሻ ዝነኣድ እዩ።  እንተኾነ ባህርይን ሓደገኛነትን ናይዚ ለበዳ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ብተዛማዲ ሓዚር እዋን፡ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተቖጻጺርናዮ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብዘገምታ ጀሚሩ ብቅብጸት እናነሃረ ዘመጸሉ ዘሎ ለበዳ፡ ሓደገኛ ባህሪ ናይቲ ቫይረስ ዘጉልሕን፡ ተወሳኺ ዕቱብ ጻዕሪ ጌና ከምዘድልየና ዘረጋግጽ እዩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምውሓስ፡ እቲ ኣብ 2 ምያዝያ ዝወጸ ኣዋጅ፡ ኣብ ቦትኡ ጸኒዑ፡ ኩነታት ለበዳ ብደቂቕ እናተገምገመ፡ ኣብ ሰዓቱ፡ ልክዕነት ዘለዎ ሓበሬታ ከምዝወሃብ የፍልጥ።

እዚ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዝጸንሐን ዝቕጽልን መምርሒ’ዚ፡ ኣዝዮም ወሰንቲ ንዝኾኑ ልምዓታውን ኣገልግሎታውን ንጥፈታት ቀጻልነቶም ዘውሕስ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ’ቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብራኦም ዜጋታት ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ።  ኣብተን ንጥፈታተን ብምዕጻው ጥራይ ዘይኮነ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታተን ክኸፍላ ተቐሲበን ንጸንሓን፡ ንብሕጂ’ውን ብመሰረት’ዚ ኣዋጅ ዝቕጽላን፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ዝህልዋ ጸቕጢ’ውን ግሉጽ’ዩ።

እንተኾነ፡ ነዚ ሓደጋ’ዚ ብዝወሓደ ሃስያ ክንከላኸሎን ከነወግዶን እንኽእል፡ ምስ ዓቕመናን ኩነታትናን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ስለዘየለ፡ ብቐንዱ በዚ ጽኑዕ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ጥራይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ትግባረ ናይዚ መምርሒ’ዚ ሕጂውን ብተወሳኺ ዓቕሊ፡ ተወፋይነትን፡ ንቕሓትን በብወገንና እጃምና ከነበርክት ኣገዳሲ’ዩ።

ነዚ ለበዳ’ዚ ንምቑጻይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ዘርኣዮ ልዑል ዲሲፕሊን፡ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን፡ ንጽጉማት ምርዳእ፡ ዓቕሚ ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ንምዕዛዝን ሃገራዊ ማዕከን ንምስሳንን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝተራእየ ልግሲን ወፈያታትን መቐጸልታ ዝኹርዕ ባህልና ኮይኑ፡ ደጊምካ ክብርን ምስጋናን ይግብኦ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምክትታል ትግባረ መንግስታዊ መምርሒታት ብልዑል ተገዳስነትን ተወፋይነትን ዝነጥፉ ንዘለዉ ኩሎም ኣካላት ብምምስጋን፡ ኣብ ዝቕጽል እዋን’ውን ምክትታሎም ከሐይሉ ሓሊ ዕማም ይላቦ።

ዓወት ንሓፋሽ!

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም
ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ
22 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሰለስተ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድልይ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ፡ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም። ብ18 ሚያዝያ 2020’ውን፡ ሰለስተ ካልኦት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተፋንዮም ምንባሮም ይዝከር። ስለዚ፡ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ 39 ዜጋታት እቶም ሽዱሽተ ተፋንዮም ኣለዉ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
21 ሚያዝያት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ካብቶም ተወሺቦም ዝጸንሑ እሞ ሎሚ ብዝተገብረ መርመራ፡ ኣብ ሓደ ሰብ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ። እቲ ዜጋ በረራታት ቅድሚ ምቊራጹ ዝኣተወ’ሞ ተወሺቡ ዝጸንሐ ወዲ 25 ዓመት እዩ፡፡ ነዚ ናይ ሎሚ ወስኽኻ ኣብ ኤርትራ ብ‘ኮቪድ-19’ ዝተለኽፉ ሰባት 35 በጺሑ ኣሎ። ኩሎም ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድልይ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
14 ማዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማልን ሎሚን ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና መርመራ ካብ ዝተገብረሎም ጥርጡራት፡ በረራታት ቅድሚ ምቊራጹ ዝኣተወ ወዲ 72 ዓመት ዜጋ፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ’ሎ።
ነዚ ወሲኽካ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተለኽፉ ድምር፡ 34 በጺሑ’ሎ።
ኩሎም ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ጥዕናን ድሕነትን ቕድሚ ኹሉ!
ዓወት ንሓፋሽ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
10 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ቅድሚ ምቊራጹ በረራታት ኣየር ዝኣተዉ እሞ ተወሺቦም ዝጸንሑ 20 ገያሾ ብቫይረስ ኮረና ስለ ዝተጠርጠሩ ትማልን ሎምን 07ን 08ን ማዝያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ላቦራቶሪ መርመራ ተገሩሎም።ካብኦም ድማ 2 ደቅ ተባዕትዮ 62ን 30ን ዝዕድመኦም ሕማም ቫይረስ ኮረና ተረኺብዎም። ምስ’ዚኦም ሓዊስካ፣ ቊጽሪ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ ሎሚ 33 በጺሑ’ሎ። ብምልኦም ድማ፣ ኣብ ሆስፒታል ዘድሊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።
ጥዕናን ድሕነትን ቕድሚ ኹሉ!
ዓወት ንሓፋሽ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
08 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 06 ማዝያ 2020 ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተጠርጠሩ 14 ሰባት ኣብ ሃገራዊ ላብራቶሪ ጥዕናዊ መርመራ ተገይሩሎም። ካብዚኦም በረራታት ኣየር ቅድሚ ምቊራጹ ዝኣተወት ጓል 61 ዓመትን ካብ ውሽጢ ሃገር ዝኾነ ወዲ 35 ዓመትን፡ ብጠቕላላ 2 እቲ ሕማም ተረኺብዎም ኣሎ። ምስ’ዚኦም ሓዊስካ፣ ቊጽሪ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ ሎሚ 31 በጺሑ’ሎ። ብምልኦም ድማ፣ ኣብ ሆስፒታል ዘድሊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።
ጥዕናን ድሕነትን ቕድሚ ኹሉ
ዓወት ንሓፋሽ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
06 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

በረራታት ኣየር ቅድሚ ምቊራጹ ዝኣተዉ 6 ገያሾ፣ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ ውሽጢ ሃገር፣ ብድምር 7 ሰባት፣ ሎሚ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፣ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

ካብ’ዚኦም 5 ደቂኣንስትዮ፣ 2 ከኣ ደቂተባዕትዮ ኮይኖም፣ ዕድመኦም ካብ 21 ክሳብ 69 ዓመት ይዝርጋሕ።

ሽድሽተ ካብኦም ድማ፣ ተወሺቦም ዝነበሩ’ዮም።

ምስ’ዚኦም ሓዊስካ፣ ቊጽሪ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ ሎሚ 29 በጺሑ’ሎ።

ብምልኦም ድማ፣ ኣብ ሆስፒታል ዘድሊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

4 ሚያዝያ 2020

መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

ሓደገኛነት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብምግንዛብ፣ ለበድኡ ምሉእ ብምሉእ ንምግታእ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣገደስቲ እዋናውያን መምርሒታት ከውጽእን ስጉሚታት ክውሰድን ጸኒሑ’ሎ። እንተኾነ፣ ኣብ ትግባሬ ዝወጹ መምርሒታት ዝርኤ ዘሎ ጥሕሰታትን ሃጓፋትን ኣብ ግምት ብምእታውን ቁጽሪ ናይቶም ክሳብ ሎሚ በዚ ሕማም’ዚ ተለኺፎም ዘለዉ ዜጋታት 18 ብምብጽሑን – ሓንቲ ካብኦም ንወጻኢ ንመገሻ ዘይተጓዕዘት፣ እቲ ኩነታት ኣሻቓልን ዝለዓለ ናይ ጥንቃቐ ስጉሚታት ክውሰደሉ ዝግባእን ህሞት ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ እዚ ዝስዕብ ተሪር ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።

በዚ መሰረት፣ እዚ ዝስዕብ ካብ ጽባሕ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2020 ሰዓት 6፣00 ንግሆ ጀሚሩ፣ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንዕ መምርሒ ኣዊጁ’ሎ፦

1. ኩሉ ሰብ፣ ኣብ ቤቱ ኮፍ ክብል ይግደድ። እዚ፣ ነቶም ክውንዘፍ ኣብ ዘይክእል ልምዓታውን ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ዕማማት ዝጽመዱ ኣይምልከትን።

2. ካብ ነብስ-ወከፍ ስድራ-ቤት፣ መዓልታዊ መግቢ ንምግዛእ፣ ወይ ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ እንተበዝሐ ክልተ ሰባት፣ ሓንሳብ ንመዓልቲ ክወጹ ይፍቀደሎም።

3. ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዘሎ ሰሙናዊ ዕዳጋታት ደው ኢሉ ክጸንሕ’ዩ። ምስ ቀረብን ምምስራሕ መግብን ዝተኣሳሰሩ ትካላት (ድኳናት፣ ፎርኖታት፣ ዕዳጋታት እኽልን ኣሕምልትን ፍረታትን) ከምኡ’ውን ፋርማሲታትን ባንክታትን ግን ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽሉ’ዮም። እዞም ትካላት እዚኣቶም ክሳብ ሰዓት 8፣00 ምሸት ጥራይ ክፉታት ይጸንሑ።

4. ኩሉ ትካላት መንግስቲ፣ ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፣ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ፣ ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ከብል’ዩ። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣብ ቤቶም ይጸንሑ።

5. ናይ ውልቂ (ናእሽቱ) መካይን፣ ብዘይካ’ተን ንፍሉይ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህበን፣ ደው ክብላ’የን፣ ናይ ጽዕነት መካይን ግን ስርሐን ክቕጽላ’የን።

6. ቀንዲ ኣፍረይትን ኣገልግሎት ወሃብትን ትካላት (ትካላት ምስናዕ፣ ሕርሻ፣ ሕርሻዊ ምምስራሕ፣ ህንጻ፣ ኣገልግሎት ናይ ጽዕነት መጓዓዝያ. . . ወዘተ) ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

7. ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምፍራይ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፣ ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

8. ምሉእነት ትግባረ ናይ’ዚ መምርሒ’ዚ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ርእሲ-ቲ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋን ስድራ-ቤትን ዝገብርዎ ነብሰ-ግትኣት፣ ዞባዊ ምምሕዳራት፣ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን፣ ከምኡ’ውን በብከባቢኡ ዝቘማ ናይ ነበርቲ ኮሚተታት ጥቡቕ ምክትታል ክገብሩ’ዮም። ነዚ መምርሒ’ዚ ዝጥሕሱ ዜጋታት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም’ዩ።

9. ኣብ ኩሉ ዝፍቀድ ስራሕን ምንቅስቓስን፣ እቲ ዝግባእ ምፍንታትን ካልእ ብሚኒስትሪ ጥዕና እተሓበረ ቅጥዕታትን ምትግባር ግዴታ ስለዝዀነ፣ ዝምልከቶም ትካላት፣ ሰራሕተኛታትን ተገልገልትን ብጥብቂ ክኽተልዎ ኣለዎም።

10. ብመሰረት’ዚ መምርሒ’ዚ ንኽንቀሳቐሱን ክነጥፉን ዝፍቀደሎም ሰባት፣ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ወረቐት ፍቓድ ይወሃቦም።

11. እዚ መምርሒ’ዚ፣ ንኹሎም ቅድሚ ሕጂ ዝወጹ መምርሒታት ይምልእን ይትክእን።

12. እዚ መምርሒ’ዚ፣ ወሰንቲ ዝኾኑ ልምዓታውን ኣገልግሎታውን መደባት ከምዝቕጽሉ ዘውሕስ’ኳ እንተዀነ፣ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ተሪርን ንመነባብሮ ዜጋታት ዝጸሉን’ዩ። ኣብ ቅድመና፣ ከም ሃገርን ህዝብን ኣንጸላልዩ ንዘሎ ከቢድ ሓደጋ ግን፣ ከም ቀደምና፣ ብሓያል ምጽማምን ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ጥራይ ክንሰግሮ ስለንኽእል፣ ኩላትና ነዚ ኣገዳሲ እዋናዊ መምርሒ ብንቕሓትን ብጥብቂን ነተግብሮ።

ዓወትንሓፋሽ!

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም
ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ
1 ሚያዝያ 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቁ 6

ቅድሚ ምቁራጽ በረራ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣተዉ ገያሾ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ብዝተገብረ መርመራ ሽዱሽተ ዜጋታት ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ኣለዉ። ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉን ዕድመኦም ካብ 32 ክሳብ 60 ዝኾኑን ሕሙማት ሓሙሽተ ደቀንስትዮ እየን። ኣብ ኤርትራ ብዝሒ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 12 በጺሑ ኣሎ። ኩላቶም ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
29 መጋቢት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

በረታታት ኣየር ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምቁራጹ፡ ካብ ደገ ዝመጹ ተጓዓዝቲ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ብዝተገብረሎም መርመራ፥ ሽድሽተ ገያሾ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ኣሎ።

ካብኣቶም ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮ ክኾና ከለዋ፡ ዕደመኦም ካብ 32 ክሳብ 60 ዓመት ዝዝርጋሕ’ዩ።  ኣርባዕተ ካብኦም ተወሺቦም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እቶም ክልተ ኣብ’ታ ዝመጹላ ነፋሪት ዝኾነ ምልክት ዘርኣየ ገያሻይ ስለዘይነበረ፡ (ስለዚ እቶም ክልተ asymptomatic ስለዝነበሩ)፡ ወጺኦም ዝነበሩ’ዮም።

ነዞም ሽድሽተ ወሲኽካ፡ ድምር ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሓመሙ ዜጋታት 12 ኮይኑ’ሎ። ኩሎም ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ዘድሊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

26 መጋቢት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና – ቊጽሪ 5

ክልተ ካብ’ቶም ብዕለት 23 መጋቢት ብ‘ኣየር ዓረቢያ’ ካብ ዱባይ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ገያሾ፡ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ኣሎ። በዚ ድማ፡ ቊጽሪ ናይ’ቶም ኣብ ኤርትራ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ፡ ሽድሽተ በጺሑ’ሎ። ኩሎም ድማ ዘድሊ ክንክን እናተገብረሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከቡ። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምቊጽጻርን ምሉእ ብምሉእ ንምብታኽን፡ ሓያሎ ኣገዳሲ ስጒምቲታት ክውሰድ ጸኒሑ’ሎ። ከም መቐጸልትኡ – እዚ ዝስዕብ ተወሲኑ ኣሎ፦

  1. ኩለን ትካላት ትምህርቲ – ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020፡ ክዕጸዋ’የን።
  2. ኣብ ኩለን ከተማታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳትን ታክሲታትን፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020 ሰዓት 6፡00 ንግሆ ኣገልግሎት ደው ከብላ እየን። ብናይ ጽዕነት መካይን ሰባት ምምልላስ ብጥብቂ ዝተኸልከለን ብሕጊ ዘቕጽዕን እዩ።
  3. ብዘይካ ንፍሉይ ኩነታትን ብፍቓድ ዝምልከቶ ኣካልን፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ወይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020 ሰዓት 6፡00 ንግሆ ኣገልግሎት ደው ከብላ’የን።
  4. እዚ መምርሒ’ዚ፡ ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዝወሃብ ክጸንዕ እዩ።
  5. ነዚን ኣቐዲሙ ዝወጸ ካልእ መምርሒታትን ብግቡእ ንምትግባር፡ ትካላት መንግስቲ ዓቢ እጃም’ኳ እንተለዎም፣ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ጥዕናን ድሕነትን ነብሱን ስድራ-ቤቱን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ።
  6. ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተኸታተለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ይሕብር።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

26 መጋቢት 2020

ንሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት መምርሒ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና – ቊ. 3

ኣብ ኖርወይ ዝምቕማጡ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ኤርትራዊ፡ ብ21 መጋቢት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ፡ ብማዕከናት ዜና ሃገርና ተሓቢሩ ነይሩ’ዩ። እቲ ሕሙም ዘድሊ ክንክንን ምክትታልን ይግበረሉ’ሎ። ምስኡ ኣብ ሓንቲ ነፋሪት ዝመጹ’ውን ከምዝውሸቡ ተገይሩ’ሎ። ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኩሎም ዜጋታትን ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገብሩ፡ ድሕነቶምን ድሕነት ሃገርን ንዝዕላምኡ መምርሒታት መንግስቲ ድማ ብጥብቂ ክትግብሩ እናዘኻኸረ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተመሓላለፈ መምርሒታት፡ እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሕን የመሓላልፍ።

  1.   ኩሉ ሰብ ግድንን ህጹጽን እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ዝነብረሉ ከተማን ዓድን ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ መገሻታት ከቋርጽ ይግባእ። ኩሉ ሰብ ግድን እንተዘይኰይኑ፡ ኣውቶቡስ፡ ሚኒ-ባስን ታክስን ምጥቃም ከቋርጽ ይግባእ።
  2.   ልዕሊ 10 ሰባት ዝሳተፍዎ ኩሉ ኣኼባታትን ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታትን ተሰሪዙ’ሎ። ኣብያተ-ሲነማን ኣብያተ-ትልሂትን እውን ክሳብ ካልእ መምርሒ ዝወሃብ፡ ዕጹው ኰይኑ ክጸንሕ’ዩ። ኣብ ካልኦት ኣብያተ-ንግዲ ድማ ሰብ ክፈናተት ይግባእ።
  3.   ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት (መርዓ፡ ሓዘን፡ ቀብሪ፡ ጥምቀት፡ ስማያ፡ ንግደት. . .ወዘተ)፡ ልዕሊ 10 ሰባት ዝርከቡሉ ምትእኽኻባት ክልኩል’ዩ።
  4.   ምእመናን፡ ብመራሕቲ ሃይማኖታት’ውን ይሕበር ከምዘሎ፡ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ክሰግዱን ክጽልዩን ይግባእ።
  5.   ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንድሕነቶም፡ ድሕነት ቤተሰቦምን ኤርትራዊ ማሕበረኮምን፡ ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩን ናብ ሃገር ካብ ምምጻእ ክቚጠቡን ይግባእ።
  6.   ምእንቲ ጥዕናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ንዝውሰድ ዘሎ ጥንቃቐ መመኽነይታ ገይሮም፡ ዋጋታት ዘንህሩን ዕዳጋ ዘዋቕዑን ሰባትን ትካላትን ተሪር ሕጋዊ ስጒምቲ ክውሰደሎም’ዩ።
  7.   ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብቐረባ እናተኸታተለ፡ ኣድላዪ ዘበለ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ የፍልጥ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

23 መጋቢት 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና – ቊጽሪ 4

  1. ብዕለት 23 መጋቢት ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ብመንገዲ “ኣየር ዓረቢ” ካብ ዱባይ ናብ ኤርትራ ዝኣተዋ ሰለስተ ገያሾ፡ ትማሊ ኣብ ሆስፒታል ቪላጆ ብዝተገብረለን መርመራ ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ከምእተታሕዛ ተረጋጊጹ።

ሰለስቲአን ገያሾ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብራ ዜጋታት እየን።

በዚ ድማ፡ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ብድምር ኣርባዕተ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። ምስኦም ዝተጐዓዙ ተሳፈርቲ ይኹኑ ርክባት ዘካየዱ ብምሉኦም፡ ተወሺቦም ኣለዉ። ኩሎም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ድማ፡ ኣብ ሆስፒታል ቪላጆ ዘድሊ ክንክን እናተገብረሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከቡ።

  1. ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ፡ ኩለን ካብን ናብን ኤርትራ ዝነጥፋ ናይ መጐዓዝያ መንገድታት ኣየር፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ 25 መጋቢት ፍርቂ-ለይቲ፡ ኩሉ በረራታተን ተቛሪጹ ኣሎ። እዚ እገዳ’ዚ፡ ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዝወሃብ፡ ንክልተ ሰሙን ክጸንዕ እዩ።
  2. ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተኸታተለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ የፍልጥ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ዓወት ንሓፋሽ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

25 መጋቢት 2020

user2020-07-06T05:54:24+00:00

Categories

  • COVID 19 إعلان وزارة الصحة
  • COVID-19 MoH Announcements
  • Embassy Announcements & COVID-19 Fund
  • Public And Expert Guidelines
  • እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ሚ/ ጥዕና – ትግርኛ

EMBASSY OF THE STATE OF ERITREA

Eritrea’s diplomatic mission to the United States of America

Contact Us

1708 New Hampshire Ave NW
Washington, DC 20009

Phone: 202-319-1991

Fax: 1-202-319-1304

Email: embassyeritrea@embassyeritrea.org

Embassy Office Hours:

Monday – Friday 9:00am – 5:00pm

Consular Services Phone Hours:

Monday – Thursday 10:00am – 2:00pm



Email: consular_washington@embassyeritrea.org
© Copyright | Embassy of the State of Eritrea
Eritrean Flag
FacebookTwitterEmail